Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፈረንሳይ መወዳእታ ዙር ፕሬዝዳናትዊ መረፃ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈረንሳይ መወዳእታ ዙር ፕሬዝዳናትዊ መረፃ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፐሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮንን ማሪን ሌ ፔንን ልዑል ንሕንሕ ልገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ን16 ሚያዝያ ፍጻመ መረፃ ብዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ፈረንሳይ ማክሮን 27 ነጥቢ 41 ሚኢታዊ ድምፂ ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ሌ ፔን ድማ 24 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ድምፂ ክረኽባ ክኢለን ኢየን፡፡

የማናይ ኣኽራሪት እናተብሃላ ዝግለፃ ተወዳዳሪት ሌ ፔን ኣብ ቀዳማይ ዙር ዘመዝገበኦ ውፅኢት ን5 ዓመታት ብፕሬዚዳንትነት ፈረንሳይ ንዝመርሑ ኢማኑአል ማክሮንን ዘደንገፀ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር መረጻ ክሳብ 14 ሚኢታዊ ዝኸውን ድምጺ ዝረኸቡን ከምዝተስዓሩ ዝኣመኑን ካልኦት ሕፁያት ቫለሪ ፔክረሴ፣ ኣን ሂዳልጎ፣ ያኒክ ጃዶትን ፋቢየን ሩሰልን ፕሬዚዳንት ማክሮን ንኽስዕሩ ሓገዝ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

ሸውዓተ ሚኢታዊ ድምፂ ዝረኸቡን መለዓዓሊ ወፍሪ ፀረ-ፍልሰት ዝኾኑ ኤሪክ ዘሙር ድማ ማሪን ሌፒን ንኽስዕራ ጀሓገዝ ከምዝገብሩ ገሊፆም ኢዮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.