Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ቅኑዕ፣ እዋናዊን ህፁፅን ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ንከብፅሑ ትፅቢት ይግበረሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ቅኑዕ፣ እዋናዊን ህፁፅን ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ንከብፅሑ ትፅቢት ይግበረሎም ተባሂሉ።

ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ኮሚኒኬሽን ኣብ ማእኸል ስልጠና ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ስልጠና ወሲዶም።

እቲ ሰልጠና፥ ብቕዓት፣ ዓቕሚ፣ ህዝባውነትን ውግንናን መሰረት ዝገበረ ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ኮሚኒኬሽን ንምቕራፅ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ስልጠናን ኣይተ ሁሴን ዝናብ፥ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ልዕሊ 400 ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ኮሚኒኬሽን ኣብ ዝተፈላለየ ዙር እቲ ስልጠና ነክወስዱ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስልጠና ኣብ ሕቶን ቅርታን ህዝቢ ትኹረት ዝገበረ እዋናዊ ሓበሬታ ምብፃሕ ዘኽእል፣ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ ሀዝቢ ንምድንጋር ዝፅዕሩ ኣካላት ምክልኻል ዘኽእል ወሓዉር ኮሚኒኬሽን ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

እቲ ስልጠና ንተኸታተልቲ 7 መዓልታት ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘቢብ ተኽላይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.