Fana: At a Speed of Life!

ክላረንስ ሲዶርፍ ምስ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋቲ ጋንታተት ሪያል ማድሪድን ኤሲ ሚላን ክላረንስ ሲዶርፍ ምስ ግዙፍ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ጉዕዞ ካብ ዝገብረለን ኣርባዕተ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ እቲ በዓል ዓቢዩ እዝኒ ፅዋዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ንምርኢት ቀሪቡ።

እቲ ፅዋዕ ካብ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ሞዛምቢክን ቀፂሉ ጉዕዙኡ ናብ ኢትዮጵያ እናገበረ እንትኸውን፥ ኣርባዕተ ግዘ ምስ ዝተፈላለያ ጋንታታት ኣውሮፓ እቲ ፅዋዕ ዘልዐለ ክላረንስ ሲዶርፍ ድማ እቲ ፅዋዕ ሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ኣብቲ ቦታ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.