Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ልዝብ ኣምሓራን ብሄረሰባ ቅማንትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓድነትና ብምጥንኻር ናብ ንቡር ሰላምና ክንምለስ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓበራዊ ልዝብ ኣምሓራን ብሄረሰባ ቅማንትን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣገር ኣዳኝ ጫቆ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ጋሻው ኣለማየሁ ከምዝሓበሩዎ፥ ብሕድሕድ ጎንጺታት ንፁሃን ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ፣ ሰላሞም ስኢኖምን ተመዛቢሎምን ኢዮም።

እዚ ፀገም ንኽፍጠር ምኅንያት ዝኾነን ፅንፈኛ ጉጅለ ቅማንት ብሓባር ብምቅላስን ዝሓለፈ የኣክል ብምባል ንመወዳእታ ግዘ ምፍታሕ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣይተ ቢክስ ወርቁ÷ ሓደ ህዝቢ ናብ ክልተ ብምኽፋል ውልቀ ረብሐኦም ንምኽዕባት ዝፅዕሩ ጉጅለታት እቲ ማሐበረሰብ ክቃለሶም ይግባእ ኢሎም።

ወዲ ሰብ ካብ ምርድዳእ ሓሊፉ ብቀትሪ ፀሓይ እናተቓተለ ንምንታይ ኢልካ ምቅላስን ንመፍትሒ ተዋሳኢ ምዃንን ካብ ኩሎም ኣካላት ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም።

ኣቦ መንበር ማሕበር ወለንታውያን ጠገዴ ኣርማጭሆ ዝኾኑ ኣይተ ኣስማራው መኮንን ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ እቲ ማሕበር ብዝተፈላለዩ እዋናት ልዝባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምክያድ ዕዉት ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፤ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምይይጥ እውን ብክልቲኦም ወገናት ዘለዉ ፀገማት መፍትሒ ንኅረኽቡ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ገሊፆም።

ብሙሉጌታ ደሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.