Fana: At a Speed of Life!

ብምሃብን ብምክፋልን ወለዶ ምህናፅ ይከኣል ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምሃብን ብምክፋልን ወለዶ ምህናፅ ከምዝከኣል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ርኽክብ መፃሕፍቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ርኽክብ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኣብ ዝቕፅ ኣዋርሕ ብዙሓት መፃሕፍቲ ንምትእኸርኻብ ከምዝተሓሰበ ብምግላፅ ኢትዮጵያውያን ሕዚ እውን ዝገብሩዎ ኣበርክቶ መፃሕፍቲ ንኽቕፅሉ ፀዊዖም።

መፃሕፍቲ ንዘበርከቲ ውልቀ ሰባት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ 12 ሺሕ መፃሕፍቲ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ብወለንታውያን ተበርኪቱ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘበርከቱዎም 7 ሺሕን 388 መፃሕፍቲ ርኽክብ ተኻይዱ።

ቤተልሄም ሰሎሞን ዝተብሃላ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝነብራ ተምሃሪት ፒ ኤች ዲ ብናይ ባዕለን ተበግሶ 5 ሺሕን 200 መፃሕፍቲ ከምኡ እውን ኣምባሳደር ማርቆስ ዝተብሃሉ ኣብ ጡረታ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊ 904 መፃሕፍቲ ኣበርኪቶም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህይወት ዘየለዉን ውልቀሰብ ስድረኦም 997 መፃሕፍቲ ከምኡ እውን ኮሌጅ ማይክሮሊንክ 287 መጻሕፍቲ ኣበርኪቶም።

እቶም መፃሕፍቲ ምእካብ ዝተኽኣለ ብቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣቢሉ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት 4 ሚሊየን መፃሕፍቲ ከምዘድልጤዎ ተገሊፁ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.