Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶክተር ደብረፅዮን ዝተኻተቱ ተኸሰስቲ ብመራኸብቲ ሓፋሽ  ንኽፅውዑ ትእዛዝ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶክተር ደብረፅዮን ዝተኻተቱ ተኸሰስቲ ብጋዜጣን ብኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ፃውዒት ንኽግበረሎም ትእዛዝ ሂቡ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ኣብቲ መዝገብ ዝተኻተቱ 37 ተኸሰስቲ ኣሊሹ ከቕርብ ከምዘይከኣለ ንቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብ ዘየለዉሉ ክረአ ንምግባር ፃውዒት ጋዜጣ ንኽግበረሎም ይፈቐደለይ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ኣብቲ መጋባእያ ኣብቲ መዝገብ ዝተኻተቱ ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ፣ ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ ሓዊሱ 17 ተኸሰስቲ ኣብ መጋባእያ ተረኺቦም ጉዳዮም ተኸታቲሎም።

ቤት ፍርዲ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንዘውዐሎም ተኸሰስቲ መፀውዒ ንኸብፅሕ ብተደጋጋሚ ትእዛዝ ዝሃበ ይኹን እምበር ፖሊስ ኣብቲ ክልል ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት እቲ ትእዛዝ ክፍፅም ከምዘይከኣለ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

እቲ መጋባእያ ብመቕፅ ገበነኛ 162/1 መሰረት ብምግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉ 37 ተኸሰስቲ ብጋዜጣን ብኢቢሲን ፃውዒት ንኽቐርበሎም ትእዛዝ ሂቡ።

ዝተፈቐደ ፃውዒት ጋዜጣን ቴሌቪዥንን ምላሽ ንምፅባይ ን8 ግንቦት 2014 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.