Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስትራቴጂ ምክልኻል ጎንፂን ህንፀት ሰላምን ዘድሃበ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣባላት መተሓባበሪን ማኔጅመንትን ኣብ ስትራቴጂ ምክልኻል ጎንፂን ህንፀት ሰላምን ዘድሃበ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ጎንፂት ንምፍታሕ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ስትራቴጂ ምክልኻል ጎንፂ ተግባራዊ ምግባር ኣዚዩ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝርከቡ እታወታታ ብምክታት ነቲ ስታራቴጂ ኣብ ቀፃሊ መምርሒ ስራሕ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ስትራቴጂክ ሰነድ ዘቕረቡ ኣይተ ብዙነህ ኣሰፋ፥ ቀንዲ ዕላማ ስትራቴጂክ ህንፀት ሰላምን ምክልኻል ጎንፂን እቲ ስትራቴጂ ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝተፈፀሙን ኣብ ቀፃሊ ክፍፀሙ ዝኽእሉን ጎንጺታት ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ምፍታሕ ኢዩ ኢሎም።

መተሓባበሪ ኮሚቴ እቲ ቤት ምኽሪን ኣባላት ማኔጅመንት እቲ ቤት ፅሕፈትን ኣብቲ ስታራቴጂክ ሰነድ ብምዝታይ ቀፀልቲ ኣንፈታት ቀቕምጥ ኢዩ ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ካብቲ ቤት ምኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.