Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ክልል ኦሮሚያ ዘድሃበ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ክልል ኦሮሚያ ዘድሃበ ዘተ መስ ኣካላት ፀፅታ ይካየድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ክልል ሰዓዳ ኣብዱረህማን፥ ኣብቲ ክልል ፀፅታ ንምርግጋፅን ስግኣት ህዝቢ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምውጋድን ይስራሕ ኣሎ ክብላ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተዛሪበን።

ኣብ ልዕል ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኣራርሳ መርዳሳ፥ ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ዞባታት ሓይሊታት ፀፅታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፌዴራልን ምስ ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልል ብምዃን ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለዉ ገሊፆም።

በቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ በቲ ግብረ ራዕዲ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ናፃ ከምዝወፅኡ ተዛሪቦም።

ኮሚሽነር ጄኔራሉ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሐዚ እውን ናይ ጥፍኣት ተግባሩ ይፍፅም ዘሎ እንትኸውን፥ ንፁሃን ምቕታል፣ ምምዝባልን ንብረት ምዕናውን ተግባር እቲ ጉጅለ ኢዩ ኢሎም።

ንግብረ ራዕዲ ሓበሬታ ምሃብን ናይ ሎጂስቲክ ድጋፍ ምግባርን ኣብ ዝተወሰኑ መሓውራት መንግስቲ ውሽጢ ዘለዉ ኣመራርሓ ይረአ ኢዩ፤ እዚ እውን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ብኣዳነች ኣበበ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.