Fana: At a Speed of Life!

ነበር ሓለፍቲ ስራሕ ሜቴክ ብይን ጥፍኣተኝነት ተመሓላሊፉዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሲ ተመስሪቱዎም ጉዳዮም እናተረኣየ ኣብ ዝነበሩ ነበር ሓለፍቲ ስራሕ ሜቴክ ብርጋዴር ጀነራል ጠና ቁሩንዲን ሌተናል ኮሎኔል ኣሰፋ ዮሃንስን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተኸሰስቲ ብይን ጥፍኣተኛታት ተመሓላሊፉ።

እቶም ተኸሰስቲ ስልጣን ብዘይ ኣግባብ ብምግልጋል፣ ስራሕ መንግስቲ ብዘይምቹ ኩነታት ብምምራሕን ረብሓ መንግስቲን ህዝቢን ዝጎድእ ተግባር ብምፍፃምን ኣብ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 32(1) (ሀ)፣ 33ን 407 (1) (ሀ)፡ (2) ፡(3) ፤ 411 (1) (ሀ)(ሐ)ን (3) ዝተመልከተ ብምትሕልላፎም ክሲ ተመስሪቱዎም ኢዮም ጥፍኣተኛታት ተባሂሎም ዘለዉ።

እቶም ተኸሰስቲ፥ ነበር ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓፂነመፂንን ኢንጂነሪንግን ሓላፊ ኦፕሬሽን ኮርፖሬት ሲቪል ፍርያት ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ጠና ቁሩንዲ߹ ዋና መካየዲ ስራሕ ፖወር ኢንጂነሪንግ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔል ኣሰፋ ዮሃንስን ምክት ዋና ዳይሬክተር ፖወር ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሻለቃ ክንደያ ግርማይ ከምኡ እውን ኣብ ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ምክትል ዋና መካየዲ ስራሕ ቲምስ ኢንተርናሽናል (ሆ.ኮ) ኩባ. ሊሚትድ ዝነበሩን ዘይተትሓዙን ዩዋን ሃን ኢዮም።

ካብ ዘይተትሓዙ 4ይ ተኸሳሲ ወፃእ ካልኦት ሰለስተ ተኸሰስቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 3ይ መጋባእያ ገበን ቀሪቦም ተግባር ገበን ከምዘይፈፀሙ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እምነት ክሕደት ስዒቡ ዓቃቢ ሕጊ ዝርዝር መረዳእታታት ሰብን ሰነድን ኣቕሪቡ ብምርድኡን ቤት ፍርዲ መረዳእታታት ዓቃቢ ሕጊ መርሚሩ ተኸሰስቲ ክከላኸሉ ብይን ሂቡ ከምዝነበረ እውን ተገሊፁ፡፡

ተኸሰስቲ ዘቕረቡዎ ናይ መከላኸሊ መረዳእታ ብዓቃቢ ሕጊ ንዝቐረበሎም ክሲን መረዳእታን ዘየውድቕ ስለዝኾነ መጋባእያ ብዓቃቢ ሕጊ ንዝቐረበ መረዳእታ ተኸሰስቲ ንዝቐረበ ገበን ምፍፃሞም ብእኹል መልክዑ ዘረደአ ስለዝኾነ፤ ፍርዲ ጥፍኣተኛታት ምሃቡ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.