Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 13 ሺሕን 842 ጠያይቲ ብሬንን ክላሽን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲኣ ሰሜን ሸዋ ደራ ዝገበረት ኣይሱዙ ተሸከርካሪት ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ሒዛ እንትንቃቐስ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ብሓባር ብዝገበሩዎ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሓበሮ፥ መበገሲኣ ሰሜን ሸዋ ደራ ዝገበረት ኣይሱዙ ተሸከርካሪት ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ሒዛ እንትንቃቐስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ዝኸኣለ 27 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 8 ፍሉይ ቦትኡ ሆቴል ፅዮን ለይቲ ሰዓት 8 ከባቢ ኢዩ።

ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ ሓበሬታ መበገሲ ብምግባር ብዝተገበረ ክትትል እታ ተሸከርካሪት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትትውዕል፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ካሻታት ዝተፀዓኑ 6 ሺሕን 42 ጠያይቲ ብሬንን 7 ሺሕን 800 ጠያይቲ ክላሽን ብሓፈሻ 13 ሺሕን 842 ጠያይቲ ኣብ ውሽጢ እታ ተሸካሪት ተሓቢኦም ከምዝነበረ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ዕለት ብኤግዚቢትነት ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ጠያይቲ ብተወሳኺ ኣርባዕቲ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.