Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዛዚሙ ንተረባሕቲ ንምትሕልላፍ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ምሕዳር ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐረብ ፋይናንስ ህንፀቶም ንግዚኡ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ መንበሪ ኣባይቲ ኣባይቲ ዛዚሙ ንተረባሕቲ ንምትሕልላፍ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊት ቢሮ ኣባይቲን ምምሕዳርን ኣዲስ ኣበባ ወይዘሪት ያስሚን ወሃብረቢ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ፥ 80 ሺሕ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዛዚሙ ንተረባሕቲ ንምትሕልላፍ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሕቶ ልቓሕ ቀሪቡ።

ልዕሊ 80 ሺሕ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ 70 ሚኢታዊ ዛዚሙ ንምቕራብ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣቢሉ ከምዝተፈቐደ እውን ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ኣባይቲ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ሽመልስ ታምራት ብግደኦም፥ ካብ 87 ክሳብ 97 ሚኢታዊ ከይዲ ጀ,ህንፀቶም ንግዚኡ ጠጠው ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.