Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ 346 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ናህሪ ዋጋ ምግቢን ነዳዲን ኣብታ ኣህጉር ጥሜት ንኽስፋሕፋሕ ምኽንያት ከመዝኾ ኢዩ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 286 ሚሊየን ዜጋታት ንጥሜት ተቓሊዖም ከመዝነበሩ ዝሓበረ እቲ ማሕበር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 346 ሚሊየን ኣፍሪካውያን ኣብ ዘስካሕኽሕ ጥሜት ከምዝርከቡን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ቁፅሩ ክውስኽ ከምዝኽእልን ገሊፁ፡፡

ሶማሊያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሞሪታኒያን ቡርኪናፋሶን ድማ ዝለዓለ ቁፅሪ ተጎዳእቲ ዘመዝገባ ሃገራት ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዩክሬን ዘሎ ጎንፂፂ ወፃኢታት ምግቢን ነዳዲን ምውሳኽን ምትእስሳር ቀረብ ምትእጉጓን ከምኡ እውን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ እታ ኣህጉር ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ እውን ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽን እቲ ማሕበር ዶሚኒክ ስቲልሃርት፥ ኣፍሪካውያን ህፃናት ብስእነት ምግቢ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ሞትን እናተቓልዑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ህፃናት ንምድሓን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናብ ተቓላዕቲ ጥሜት ገፁ ከዙር ይግባእ ምባሎም ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.