Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ብዝለዓለ መገዲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ነቲ ፀገም ዝምጥን ርብርብ ብምግባር ብዝለዓለ መገዲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ።

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻል ሓደጋ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣብ ክሊ ዝግበር ኣገልግሎት ኣወሃህባ ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሸፋዊ ምንቅስቓሱ ገምጊሙ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኲናትን ድርቀን ኣብ ዝተገድኡ ከባቢታት ዝነብሩ ወገናት ኣገልግሎት ሰብኣዊ ደገፍ ንክረኽቡ ዝገብሮ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ዝተባባዕ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፀገም ኣብ ዝረአየሎም ከባቢታት ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ነቲ ዘሎ ልዑል ፀገም ዝምጥን ህፁፅ ምላሽን ዝተዋደደ ርብርብን መግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ከም ሃገር ንዘጋጠመ ፈተና ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ንምሃብ ቀዳምነት ብምሃብ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.