Fana: At a Speed of Life!

ከቢድ ፅገና 60 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣዳማ – ኣዋሽ – መኢሶ ተጀሚሩ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካል ኮሪደር ትራንስፖርት ኢትዮ-ጅቡቲ ዝኾነ ከቢድ ፅገና 60 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣዳማ – ኣዋሽ – መኢሶ ተጀሚሩ።

እቲ መገዲ ልዑል ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ረብሓ ዘለዎ አነትኸውን፥ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንክህብ ተዓሊሙ ኢዩ ፅገና ዝግበረሉ ዘሎ።

እዚ ድማ ኣታዊን ወፃእን ንግዲ ንምቅልጣፍ ዘኽእል ከምዝኾነ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ነቲ ፅገና ዘድሊ ፀፀር ናይ ምፍራይ ስራሕቲን ነቲ ህንፀት ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ቅድመ መድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ነቲ ፅገና ዝውዕል ልዕሊ 816 ሚሊዮን ብር ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሽፈን ምግላፁ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.