Fana: At a Speed of Life!

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ጋህዲ ንምግባርን ሕርሻ ከተማ ምጥንኻር ወሳኒ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ጋህዲ ንምግባር ሕርሻ ከተማ ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ዋላ ስፍሓት ገደናና ንእሽተይ ይኹን ወይ እውን ገደና ኣየሃልወና፣ ከተማታትና ዕቤተን እንትቕፅላ፣ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ጋህዲ ንምግባርን ኣብ ገዛና ኣሕምልቲ ገደና ክህልዉ ብምግባር ሕርሻ ከተማ ምጥንኻር የድሊ” ክብሉ ገሊፆም።

ብተደጋጋሚ ኣብ ረብሓ ብዝውዕሉ ኣቑሑት ኣቢልካ ንላዕሊ ዝዝርግሑ ናይ ኣትክልቲ ቦታታት ምስራሕ ንብዙሓት ዝቐለለ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

“መራሕቲ ስድራ እዚ ናይ ምስራሕ ዓቕሞም ንኽፍትሹን ክጥቀሙሉን የበረታትዕ” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.