Fana: At a Speed of Life!

ፅሬት ፍርያት ንምሕላው ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬት ፍርያት ንምሕላው እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገሊፁ።

መንግስቲ ፅሬት ፍርያታት ንምሕላው ትኹረት ገይሩ እናተንቀሳቐሰ ይኹን እምበር ዝተደለየ ለውጢ ክመፅእ ከምዘይተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ኣህጉራዊ ስምምዕነት ንግዲ ኣፍሪካ ተግባራዊ ምዃኑ ኣብ ፅሬት ፍርያት ትኹት ገይርካ ናይ ምስራሕ ኣድላይነት ከምዝውስኽ  እውን ተገሊፁ፡፡

1 ነጥ 3 ሚሊየን ህዝቢ ኣብ ዝሳተፈሉን 3 ትሪሊየን ደላር ኣሜሪካን ዕድጊት ኣብ ዝፍፀመሉ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ንምስታፍ መንግስቲ ንፅት ፍርያት ፍሉይ ጠመተ ሂቡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ስርዓት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ዘበናዊ ኣብ ምግባር ኣገልግሎቱ ብኦንላይን ምሃብ ጀሚሩ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ስርዓት ንግዲ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳግቲ ኣካላት እጃሞም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፥ ደረጃ ዝወፅአሎም ኣቑሑት ንግዲ፣ ፅሬትን ኣጠቓቕማ ምልክትን ብምድሃብ ምስ ኣፍረይቲ፣ ኣምፃእቲን መዳርግቲ ኣካላትን ምዝታዩ ካብቲ ሚኒሰስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.