Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ዝበለተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ዕደአን ብሩብል ዘኸፍላ “ፀላእቲ” ኢላ ዝፀርሐተን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይራ።

ብሩሲያ ፀላእቲ ተባሂለን ዝተፀርሓ ሃገራት፥ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ሞናኮ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኖርዌይ፣ ኣይስላንድን ሳን ማሪኖን፣ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራሊያ፣ ጃፓን፣ ደቡብ ኮሪያ፣ ኒውዝላንድ፣ ሲንጋፖር፣ ታይዋንን ማይክሮኔዢያን ኢየን፡፡

ካብ ምዕራብ ባልካን ሃገራት ድማ ኣልባኒያ፣ ሞንቴኔግሮን ሰሜን ሜቄዶኒያን ፀላእቲ ተባሂለን ተፀሪሐን፡፡

ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝንበር ማዕቐብ ዝተቓወማ ሰርቢያን ሕፁያት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ምሕዝነተን ብምርኣየን ከም ፀላእቲ ኣይተርኣያን ተባሂሉ፡፡

ብፀላእቲ ዝተፈረጃ ሃገራት ዘለወን ዝኾነ ይኹን ዕዳ ኣብ ዝተመቻቸወ ስርዓት ባንኪ ብመተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር ሩብል ንኽምልሳ መንግስቲ ሩሲያ ሓቲቱ፡፡

ድሕሪ ሕዚ ምስ ዝኾ ይኹን ትካል ዝግበሩ ስምምዓት ካብ መንግስቲ ሩሲያ ፍቓድ ክረኽባ ኣለወን ምባሉ ኢውራክቲቭ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.