Fana: At a Speed of Life!

47 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት መቐለ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓገዝ  47 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ትካል ምግቢ ዓለም ሎሚ መዓልቲ መቐለ ኣቲያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ውሳነ ካብ ዝውሰን ዕለት ጀሚሩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብዝኸኣልዎ መጠን መድሓኒት፣ ናውቲታት ሕክምና፣ ገንዘብን ሃነፅቲ ምግብታትን ብነፈርቲ በቢመዓልቱ ምጉዕዓዝ ምጅማሮም ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ምግላፁ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ሓገዝ እኽሊ ትካል ምግቢ ዓለም ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ ብኣብዓላ ኣቢለን ናብ ትግራይ ተጎዒዘን ኢየን።

ካብኣተን እታ 47 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ሎሚ መዓልቲ መቐለ ከምዝኣተወት ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ሒሳቡ ገሊፁ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.