Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካል ማዕቐፍን ተዛትዩውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማእኸላይ ዘመን (2014-2019) ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን ዝተዛቴ ኮይኑ÷ ቀንዲ ዕላማ እቲ ማዕቐፍ ዝርዝር ባጀት መንግስቲ ፌደራል 2015 ዓ.ም ዘዳልወሉን ጥቕሉል ሃናፂ ትንበያ፣ ዓቐን ወፃኢ፣ ዓቐን በጀት ድጋፍ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታትን መጠን ጉድለት ፊሲካል ብማዕቐፍ ምውሳን እዩ፡፡

እቲ ማዕቐፍ ብቐንዱ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት፣ ንዘጋጠሙ ሰብሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ሰብኣዊ ደገፍ፣ ንዳግመ ህንጸትን መሊስካ ምጥያሽን፣ ንሰራዊት ምክልኻል፣ ንክፍሊት ዕዳን መፈጸሚ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታትን ዘድልዮ መበገሲ ወፃኢ ብምግባር ዝተዳለወ እዩ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ማዕቐፍ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ተወሰኽቲ ሓሳባት ተቐቢሉ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ምውሳኑ ካብ ቤት ምኽሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኀብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.