Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝፍኖ ናይ ውሽጢ ይኹን ወፃኢ ፅዕንቶ ብሓድነት ንኽምክት ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዳያስፖራ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝፍኖ ናይ ውሽጢ ይኹን ወፃኢ ፅዕንቶ ብሓድነት ንኽምክት ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋን ኣብ መላእ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ  ሓለፍቲ ውዳበ ኮሚዩኒቲ፣ ኣመራርሓታት ታስክ ፎርስን ሲቪክ ማህበራትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብመርበብ ሓሬታ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብቲ እዋን፥ ዳያስፖራ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝፍኖ ናይ ውሽጢ ይኹን ወፃኢ ፅዕንቶ ብሓድነት ጠጠው ኢሉ ንኽምክት ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ፍፁም ብግደኦም÷ ብኮንግረስን ሴኔትን ኣሜሪካ HR 6600 ከምኡ እውን S 3199 ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምንባር ዝቐረቡ ረቀቕቲ ሕጊታት ሉኣላውነት ሃገር ዝዳፍኡ፣ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣዚዩ ዘሕርፍፍን ዳያስፖራ እውን ምስ ሃገሩ ዘለዎ ምትእስሳር ዝበትኽ ሓደገኛ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዳያስፖራ እናገበሮ ዝፀንሐ ታሪኽ ዘይርሰዖ ዘብዒ ሃገር ምዃን፥ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ከይፀድቁ ኣብ ምግባር እውን  ክታሙ ንኸንብር ፃዊዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.