Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ሃገር ብዝተኻየዱ ልዝባት ህዝቢ ዘልዐሎም ሕቶታት ዝምልሱ ትልሚታት ተዳሊዮም ንኽትግበሩ ፓርቲ ብልፅግና ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ብዝተኻየዱ ልዝባት ህዝቢ ዘልዐሎም ሕቶታት ዝምልሱ ትልሚታት ተዳሊዮም ንኽትግበሩ ፓርቲ ብልፅግና ኣንፈት ከምዘቐመጠ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ኣፍሊጡ።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤኡ ዘመሓላለፎም ውሳነታትን ዘቐመጦም ኣንፈታትን ኣመልኪቱ ኣብ መላእ ሃገር ምስ ህዝቢ እናገበሮ ዝነበረ ምይይጥ ዛዚሙ ኢዩ።

ምዝዛም እቲ ልዝብ ስዒቡ ድማ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ማእኸል ኣብ ኣፈፃፅማ እቶም መድረኻት ዝምልከ ዘተ ተኻይዱ።

ኣባላት ኣፈፃሚ ስራሕን ማእኸላይ ኮሚቴን እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተረኸቡሉን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝመርሑዎን እቲ ናይ ሎሚ መዓልለቲ መድረኽ፥ ኣብ ኩለን መድረኻት ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተለዓሉ ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ተገምጊሞም።

ብህዝቢ ዝተለዓሉ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስን ፀገማት ንምፍታሕን ዘኽእሉ ዝርዝር ትልሚታት ተሰናዲኦም ንኽትግበሩ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ግዘን ትልሚታ ተሰናዲኦም ናብ ተግባር ንኸኣትዉ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.