Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጌሌ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጌሌ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ።

እቶም ፕሬዚዳን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ዛዕባታት ኣተኲሮም ምዝታዮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒትር ሓላፊት ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ቢልለኔ ስዩም ከምዝገለፀኦ፥ እቶም መራሕቲ ብቐንዱ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳይ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሰላም ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ክልተኣዊ ዛዕባታት ተዛቲዮም ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ እውን ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.