Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኤርዶኻንን ቭላድሚር ፑቲንን ቀፃሊ ድርድር ሩሲያ-ዩክሬን ኣብ ቱርኪ ንምክያድ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርዶኻን ረጅብ ጣይፕ ኤርዶሃንን ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ቀፃሊ ድርድር ሩሲያ-ዩክሬን ኣብ ቱርኪ ኢስታምቡል ንምክያድ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ሰንበት ዘተ ስልኪ ምጋባሮም፤ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ጎንፂ ሩሲያ – ዩክሬንን ከይዲ ድርድርን ከምዝተዛተዩ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ቀፃሊ ከይዲ ድርድር ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ቱርኪ ኢስታምቡል ንምክያድ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ኤርዶኻን ንሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲን፥ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹን ሰላምን ንኽግበርን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ክመሓየሽ ከምዝግበኦን ገሊፆም ሎም ኢዮም።

ኣባላ ጉጅለ ልኡኽ ተደራዳሪ ዩክሬን ዝኾ ዴቪድ ኣራካሚያ፥ ቀፃሊ ዚር ድርድር ሰላም ዩክሬንን ሩሲያን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ቱርኪ ከምዝካየድ ምግላፆም ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ተደራዳሪ ሩሲያ ቭላድሚር ሜዲንሰኪ ብግደኦም፥ ፊት ንፊት ድርድር ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝግበር ምሕባሮም ተመልኪቱ፡፡

ልኡኻት ዩክሬንን ሩሲያን ካብ 28 ለካቲት ጀሚሮም ኣብ ቤላሩስ ሰለስተ ዙር ድርድር ሰላም ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ራብዓይ ድርድር ሰላም ድማ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.