Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪን ዋና ዳይሬክተር ፈንድ ልምዓት ኳታርን ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን እና ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቩሶግሉ ኣብ ዶሃ ተዛትዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዘካየዱዎ ዘተ፥ ጎናጎኒ ፎረም ዶሃ እዩ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ፣ ወድዓዊ ዛዕባታትን ጠቐምቲ ሓሳባት ዝተለዋወጡ ኮይኖም፤ ኣብ ቀፃሊ ምትሕብባርን ሕውነትን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ነጥብታት ከምዝኸውን መኺሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣይተ ደመቀ ዋና ዳይሬክተር ፈንድ ልምዓት ኳታር ካሊፋ ጃሲም ኣል ኩዋሪ ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም፡፡

ፈንድ ልምዓት ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ዝገብሮ ደገፍ ኣይተ ደመቀ ዝነኣዱ ኮይኖም፤ ሕውነት ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዝበለፀ ከምዘጠናኽር ገሊፆም፡፡

ፈንድ ልምዓት ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበረ ቁጠባ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ንዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዘሰጋግሮ እመነቶም ምግላፆም ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.