Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኩሉ ሰብ ኤች ኣር 6600 ንከይፀድቕ ግድኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ሰሜን ኣሜሪካ  ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ፓርቲታት ፖለቲካ ሓዊሱ ኩሉ ሰብ ኤች ኣር 6600 ረቂቕ ሕጊ ኮይኑ ንከይፀድቕን ፀገማት ውሽጢ ዓዲ ካብ ፍልፍሎም ንክደርቁን ግድኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ሲልቨር ስፕሪንግ ሜሪላንድ ኣካይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝረኣዩ ዘለዉ ግዳማዊን ውሽጣዊን ብድሆታት ብዝምልከት ዘተ ከምዘተገበረ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ቀሲስ ታጋይ  ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘርከቡ ትካላት እምነት ኢትዮፓ ብምትሕብባር ንናይሓባር ቤትና ብሰላም፣ ፈትሒን ልምዓትብን እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዘኽእል ምዕራፍ እቲ ጉባኤ ኣብ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንምክያድ ምስምዕመዖም ተዛሪቦም።

ብኮንግረንስ ኣሜሪካ ኣቢሉ ክቐርብ ዝበሃል ዘሎ ኤች ኣር 6600ን ኣብ ሴኔት ንምቕራብ ኣብ ምድላው ዘሎ ኤስ 3199 ኢኮኖሚ ህዝቢ ዝጎድእን ልእላውነት ህዝቢ ዝዳፈረን ስለ ዝኾነ ደው ንክብል ንዝምልከቶ ኣካል ብደብዳበ ሕቶ ንምቕራብ ምስምዕመዖም ተዛሪቦም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.