Fana: At a Speed of Life!

ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ብምምላስ ብዘላቕነት ንምጥያሽ መንግስቲ ብዕቱብ ክሰርሕ ኢዩ – ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ብምምላስ ብዘላቕነት ንምጥያሽ መንግስቲ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።

ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚልን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ምሕደራ ሃፍቲ መንግስቲ ዶክተር ግርማ ኣመንቴን ካብ ዞባታት ወለጋ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኡስ ማእኸል ሃይቅ ምርምር ሕርሻ ሲሪንቃ ዝተዓቖቡ ወገናት ዑደት ገይሮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ካብ ዝሰፈሩ 34 ሺሕ ተመዛበልቲ እቶም 29 ሺሕ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ብግዚያውነት ኣብ መዕቖቢ ጣቢያ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጣቢያ ዝተማለአ ቀለብ ከምዘይቐርበሎም፤ ዝቐርብ ምግቢ እውን እኹል ስለዘይኮነ ከምዝተፀገሙ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ፥ መንግስቲ ዘላቒ መፍትሒ ንኽገብረሎም ሓቲቶም።

ብኦነግ ሸኔ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓደሓደ ኣመራርሓታት ዞባን ወረዳን ዝተሓገዘ ምምዝባል ዝበፅም ከምዝኾ እቶም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ጉዳይ ሞትን ምምዝባልን ዜጋታት ካብ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብተወሳኺ በቢብርኩ ዝርከቡ ሓደሓደ ኣመራርሓታት ኢድ ክህልዎ ክዝኽእል ዝሓበራ ሚኒትር ሙፈሪያት ካሚል ብግደአን፥ “ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ቀፃሊ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኢዩ” ኢለን።

“መጥቃዕቲታት ብኹ ኣንፈት ብሓደ ግዘ ተኸፊቶም ኣፀገምቲ ይምሰሉ እምበር በዚ ኣይቕፅሉን፤ ፀገማት ብኀይዲ ክንፈትሖም ኢና” ክብላ እውን ኣረጋጊፀን።

ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ከምዝበሉዎ፥ እኩይ ተግባ ሓይልታት ጥፍኣት መጠኑ ይፈላለ እምበር ንዝኾነ ይኹን ማሕበረሰብ ዝጎድእ እምበር ዝጠቅም ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ሰላም ንምዕሳል ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ዜጋታት ከይመዛበሉ፣ ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽለሱን ዜጋታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ሰሪሖም ክብሩን ምግባር ቀንዲ ትኹረት መንግስቲ ኮይኑ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ወይዘሮ ሙፈሪያት ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.