Fana: At a Speed of Life!

ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ኣብ ክልል ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ተወሳኺ 30 ቶን ምግቢ ተንከፍ ናውቲ ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝውዕል ተወሳኺ 30 ቶን ምግቢ ተንከፍ ናውቲ ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ዝለኣኸቶ ተወሳኺ ሓገዝ ምግቢ፥ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 5 ሺሕ ህፃናትን ኣዴታትን ሓዊሱ 7 ሺሕን 100 ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ሳሌም ኣል ራሺዲ፥ ሃገሮም ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምትቕፅ ተዛሪቦም፡፡

ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬታት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝውዕል ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ሓገዝ ናውቲ ምግቢ ምግባራ ገልፍ ኒውስ ኣብ ፀብፃቡ ኣዘኻኺሩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.