Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዓቖቡ ዜጋታት ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ትኹረት ንኅወሃቦ ኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር የልቃል ከፋለ ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረቡዎ ሕቶ፥ “ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ዝተመዛበሉ ወገናት ብምንታይ መልክዑ ንምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ፣ ትኹት ኣይተገበረሉን፣ ዝተወደበ ሓበሬታ የለን፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እንታይ ዝተሓሰበ ነገር ኣሎ፣ መገዲ ቡሬ ወለጋ መዓዝ ኢዩ ክኽፈት” ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ዝምልከቱ ሕቶታትን ኣልዒሎም።

ወራር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምንታይ ብቕልጡፍ ምዝዛም ኣይተኸኣለን፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣባላትን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምንታይ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም፣ ፋብሪካ ሲሚንቶ በረታ ንምህናፅ 300 ሓረስቶት ካብ መሬቶም ተመዛቢሎም ካሕሳ ስለዘይተኸፈሎም ክሳብ ሕዚ ስራሕ ከምዘይጀመረ ኣልዒሎም፡፡

ሓረስቶት እውን ንዝተሓደጉዎ መሬት ስለምንታይ ግብሪ ይኸፍሉ፣ እቲ ፋብሪካ ዘለሉ ፀገም ተፈቲሑ ናብ ስራሕ ንኸኣቱ እንታይ ይስራሕ ኣሎ ዝብሉ ሕቶታት እውን ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተላዒሎም፡፡

ካብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ወገናት ብፍላይ ብከባቢ ምብራቕ ኣምሓራ የኣትዉ ኣለዉ እዚ ድማ ስግኣት ዳግም ወራር የብሉን ዶ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ንምንታይ ኣብቲ ፀብፃብ ኣይተኻተተን፣ ብምኽንያት ወራር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘይለምዐ መሬት ኣብ ዘፈር ሕርሻ ኣይተኻተተን፣ ፅዕንቶ ኲናት ኣብቲ ፀብፃብ ኣይተኻተተን ዝብሉ ሕቶታት እውን ቀሪቦም፡፡

ብለይኩን ኣለም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.