Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ብምግባር ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩናይትድ ስቴትስ ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ዝተሳለጠ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ብእወንታ ከምትቕበልን ኣጥቢቓ ከምትድግፍን ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝብል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ከምዝወሰነ ምግላፁ ይፍለጥ።

ነዚ መግለፂ ስዒቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ እቲ ውሳነ መንግስቲ ስዒቡ ዝተሳለጠ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝህሉ እምነቶም ገሊፆም።

እቲ ውሳነ ንክልል ትግራይ ኢሉ እውን ንካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ እቶም ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጦም።

ለመላው ኢትዮጵያውያን ደህንነትና ብልፅግና ለማረጋገጥ የሚያስችል የፖለቲካ መፍትሄ ለመስጠትም መሰረት የሚሆን ነው ብለዋል።

“ኩሎም ወገናት እቲ ውሳነ ዘላቒ ምቁራፅ ተኹ ንምምፃእ ዘኽእል ድርድር ንምግባር ክጥቀሙሉ ዩናይትድ ስቴትስ ፃውዒት ተቕርብ” ኢሎም ኣንቶኒ ብሊንከን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ሰላማዊ ግዘ ንኸሕልፍ ኣሜሪካ ዝኸኣለቶ ኩሉ ሓገዝ እናገበረት ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.