Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተሳለጠ ንምግባር ጎንፂ ጠጠው ከምዘበለ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተሳለጠ ንምግባር ጎንፂ ጠጠው ከምዘበለ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂ ድማ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተሳለጠ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

መንግስት ኢትዮጵያ ንሰብዓዊነት እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ኣመልኪቱ ዝወፅአ መግለፂ

መንግስት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ሰብዓዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተሳለጠ ንኽኸውን ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቁፅሪ በረራታታ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽውስኽ ከምኡ እውን ንትካላት ኣቕረብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ነዳዲን ትረ ገንዘብን ዝቐርበሉ ስርዓት ዝተሳለጠ ንኽኸውን ተገይሩ ኢዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕብረት ኣውሮፓን ሰብኣዊ ሓገዛት ምብፃሕ ንኽኽእሉ በረራታት ኣየር ተመዓራርዮም ኢም። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመስመር ትራንስፖርት መሬት ኣብዓላ – መቐለ ኣቢሉ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ንኽከኣል ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ እናገበረ ይርከብ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ክልል ትግራይ ኣለሻ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ጎረባብቲ ክልላት እናተጓዓዙ ከምዝኾኑ ይረአ ኣሎ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ትግራይ ዘሎ ሰናይ ተግባር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘሎ ሕውነታውነትን መንፈስ ሓድነትን ዘርኢ ኢዩ፡፡ መንግስቲ እዞም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ መረበቶም እንተዘይተመዛበሉ ኣብ ዘለዉሉ ንኽበፅሖም እንተተገይሩ ምንግልታዕ ከምዝንኪ ብፅኑዕ የኣምን።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኣብ ልዑል ፀገም ዝርከቡ ዜጋታቱ ብቅልጡፍ ናይ ምፍታሕ ሓላፍነቱ ካብ ማንም ነገር ንላዕሊ ቅድሚት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ብምርዳእ ህፁፅ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብእኹል ኩነታት ክበፅሕ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምዕዋት ዝተኽኣሎ ኩሉ ፃዕሪ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾነ ክገልፅ ይደሊ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዑል ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓንን ምንግልታዕ ዜጋታት ንምንካይን ካብ ዝተለመደ ንላዕሊ ፍሉይ ስጉምቲታት ምውሳደድ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረሐበ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ካብ ዝወፅአሉ ሰዓት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ንሰብኣውነት እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ማሕበረሰብ እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝን ርዳእታን ብልዑል መጠን ንኽውስኽእ ፃውዒቱ የቕርብ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዙ ብዝተሳለጠ ኩነታት ምብጻሕ ንኽኽእል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ደጊሙ የረጋግፅ፡፡ እዚ ናይ መንግስቲ ፃዕሪን ቆራፅነትን ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ምምሕያሽ ዝህልዎ ዓወት ክረጋገፅ ዝኽእል ብኻሊእ ወገን ዝርከብ ኣካል ብተመሳሳሊ ነዚ ዕላማ ብዝህልዎ ቆራፅነት ልክዕ ከምዝኾነ መንግስቲ የኣምን፡፡ እዚ ብወገን መንግስቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ዕላምኡ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብናፅነት ተጎዓዒዙ ሓገዝ ናብ ዝደልዩ ዜጋታት ንኽፅሕ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ንሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝተወሰነ ምቁራፅ ጎንፂ ዝድለ ውፅት ንምምፃእ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዓመፅቲ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ መጥቃዕቲ ንኽዕቀቡን በረጉልበት ካብ ዝሓዙዎም ጎረባብቲ ክልላት ንኽወፀኡን የሓትት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ንሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተወሰነ ውሳነ ምቁራፅ ጎንፂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ኽመሓየሽ ከምዝኽእል ኢሉ እውን ኣብ ቀፃሊ ብዘይ ተወሳኺ ደም ምፍሳስ ነቲ ጎንፂ መፍትሒ ከምፅእ ከምዝኽእል ተስፋ ይገብር።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.