Fana: At a Speed of Life!

ካብ ውሽጢን ወጻኢን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ዝምክት ሓይሊ ባሕሪ ይህነፅ ኣሎ – ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ውሽጢን ወጻኢን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ዝምክት ሓይሊ ባሕሪ እናተሃነፀ ምዃኑ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሬር ኣዲሚራል ክንዱ ገዙ ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ መሰረታዊ ሓይሊ ባሕሪ ስራሕቲ ምንቅስቓሱን እናተሃነፀ ዝርከብ ህንፃን ተዘዋዊሮም ምስተዓዘቡ ምስ ሰልጠንቲ ተምሃሮ ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ ዘተ ድማ ድሕንነት ሃገር ክሕሉ ዝኽእል፣ ካብ ውሽጢን ወጻኢን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ዝምክት ሓይሊ ባሕሪ ምህናፅን ምስልጣንን ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ ንምዕባይ ዝተምሃረ፣ ዝሰልጠነ፣ ዲሲፒሊን ዘለዎን ሃገሩ ዝፈቱን ቆራፅ ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግንዛቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.