Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ኣብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ኢዩ – ኣንድሬይ ማስሎቭ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ኣብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ከምዝኾነ ዳይሬክተር ማእኸል መፀናዕቲ ኣፍሪካ ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ኣንድሬይ ማስሎቭ ገሊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ምስ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ኣብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ  ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ካብ ምሕዳሩ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብታ ኣህጉር ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንኽርት ገይሩዎ ኢዩ፡፡

መንገስቲ ሩሲያ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ንምርግጋእ ናብ ወፃኢ ኣብ ዝወፅኡ ፍርያታት ዘንበሮ ማዕቐብን ዝወሰዶም ኢኮኖሚያዊ ስጉምቲታትን ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝህልዎም እውን ተዛሪቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2015 ክሳብ 2020 ኣብ ዘለዉ እዋናት ሩሲያን ዩክሬንን ናብ ኣፍሪካ ካብ ዘእትወኦ ሓፈሻዊ መጠን ስርናይ እቲ 25 ሚኢታዊ ዘቕረባ ሃገራት ከምዝኾና እቶም ዳይሬክተር ፀሪሖም፡፡

ብምዃኑ ድማ ናብ ወፃኢ ኣብ ዝለኣኽ ፍርያት ስርናይ እገዳ ምንባሩ፣ ኣብ ዩክሬን እዋን ልምዓት ስርናይ ምትእጉጓሉን ኣብ መስመር ፀሊም ባሕሪ ዘሎ ጸገም መስመር ትራንስፖርትን ኣብ ቀፃሊ ናብ ኣፍሪካ መዘዝ ከምፅእ ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡

ኣፍሪካ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ጎንፂ ዘይሻራዊ ምዃን ከምዝመረፀት ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪካ እተን 26 ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ትወስዶ ዘላ ወታደራዊ ንምኹናን ውሕመ ኣብ ዝተፀወዖ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዘይደገፋ ኣብሪሆም፡፡

ኣልጄሪያ፣ ኣንጎላ፣ ብሩንዲ፣ ዚምባብዌ፣ ኮንጎ ሪፐብሊክ፣ ማዳጋስካር፣ ማሊ፣ ሞዛምቢክ፣ ናሚቢያ፣ ሴኔጋል፣ ሱዳን፣ ታንዛኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ጉዳይ ጉዳይ ዘይሻራዊ ሃገራት ከምዝኾና ሓቢሮም፡፡

ኤርትራ ንውሳነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተቓወመት ሃገር እንትትከውን፥ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ካሜሩን፣ ሞሮኮ፣ ቶጎ፣ እስዋቲኒን ኢትዮጵያን ድማ ድምፂ ዘይሃባ ሃገራት ከምዝኾና እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ግብፂ ንውሳነ ሓሳብ ውሕመ ትደግፍ እምበር ምስ ሩሲያ ምትሕብባር እናገበረት ከምዝኾትን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ናብ ዝንበሩ ማዕቐባት ዝተፀምበረት ሓንቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ከምዘየላ ምግላፆም ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.