Fana: At a Speed of Life!

ኤች ኣር 6600 እንተፀዲቐቑ ኢትዮጵያን ፅግዕተኛ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝገብር ስለዝኾነ ንኸይፀድቕ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ – ኣምባሳዳር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቀቕቲ ሕጊ ኤች ኣር 6600ን  ኤስ 3199ን እንተፀዲቐቑ ኢትዮጵያን ፅግዕተኛ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝገብር ስለዝኾነ ንኸይፀድቕ ኩሉ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳዳር ዲና ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ዲና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዴቪድ ስታተርፊልድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ብዙሓት ፃዕሪታት እናገበረት ምዃና ከምዘብርሁሎም ብምሕባር፤ ኤች ኣር 6600 ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝጎድእ ከምዝኾነ ነጊሮምዎም ኢሎም።

ምስዚ ተተሓሒዙ እቲ ረቂቕ ሕጊ ከይፀድቕ ፃውዒት ምግባሮም እውን ገሊፆም።

ክፍሊ ምምሕዳር ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ እናሰርሐ ከምዝኾኑ እውን ኣብዚ እዋን ኣልዒሎምሎም።

ኦክስፋም ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፁ ፀሪሖም።

ምስ ዓሌት ሙርሌ ደቡብ ሱዳን ተተሓሒዚ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ጠጠው ንምባል ዘኽእል ልዝብ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ ካብ ዒድ ኣልኣድሃ ክሳብ ዒድ ኣል ፈጥር ዝተብሃለ መርሃ ግብሪ ዓቢዪ ጉዕዞ ናብ ሃገር ካብ ዘለዎ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ረብሓ ንላዕሊ ኢትዮጵያውያን ተቐራሪቦም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንኽመያየጡ ዘኽእል ዓብዪ ዕላማ ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.