Fana: At a Speed of Life!

ፈላመይቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማዲሊን ኦልብራይት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላመይቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማዲሊን ኦልብራይት ኣብ 48 ዕድሚአን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊየን።

ማዲሊን ኦልብራይት ኣብ ዘበነ ስልጣን ቢል ክሊንተን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኮይነን ዘገልገላ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጣ ዲፕሎማት ኢየን።

ኦልብራይት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1937 ኣብ ቺኮዝላቫኪያ፣ ፕራግ ኢየን ተወሊደን።

ጓል ዲፕሎማት ዝነበራ ኦልብራይት ምስ ቤተሰበን ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዳ እንትኾና፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1957 ኢየን ዜግነት ኣሜሪካ ረኺበን።

ኣብ ዘበነ ስልጣን ጂሚ ካርተር ናብ ዋይት ሃውስ ኣቲየን ዘገልገላ እተን ዲፕሎማት፥ ኣብ ዘበነ ስልጣን ክሊንተን ሚኒስትርንት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ቅድሚ ምዃነን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣገልጊለን ኢየን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.