Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ካብ ኲናት ንምውፃእ ብወገን ፌዴራል ይኹን ክልል ሙሉእ ባህጊ ኣሎ- ዶክተር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ካብ ኲናት ንምውፃእ ብወገን ፌዴራል ይኹን ክልል ሙሉእ ባህጊ ኣሎ ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

ዶክተር ይልቃል ከፋለ ነዚ ዝበሉ፥ ኣብ ውሳነታት ጉባኤ ብልፅግና፣ ኣንፈታትን ቅዋምን ብምድሃብ ምስ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ሎሚ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኢዩ።

ኣብቲ ዘተ፥ “ለውጢ እንትመፅእ ኣዚና ተሓጒስና ነይርና፣ ህዝቢ ደጊፉ ነይሩ፣ ሐዚ ግን ተሸርሺርና፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉዳይ ነቲ ዝፈሰሰ ደም ዋጋ ዘስኣነ ኢዩ፣ ሰራዊት ምክልኻል ካብ መቐለ ዝወፅኣሉ መገዲ አወን ኣምሓራ ንመጥቃዕቲ ዘቃለዐ ኢዩ” ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም።

ኣመራርሓ እቲ ክልል ንክልሎም ተመሰጥቲ ኮይኖም ኣይሰርሑን፣ “ሸኔ በይኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መዋቕር መንግስቲ ዝድግፎ ስለ ዘሎ ኢዩ ሃገር ዘተራመስ ዘሎ” ዝብል ሓሳብ እወን ተላዒሉ።

“ካብ ክልል ኣምሓራ ወፃእ ዝነብሩ ኣምሓሩ ሓለዋ ንክግበር ከምኡውን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ሰቖጣ ትኹረት ይገበር” ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ክልል ኣምሓራ ካብ ኲናት ንምውፃእ ብወገን ፌዴራል ይኹን ክልል ሙሉእ ባህጊ ኣሎ ክብሉ  ገሊፆም።

ነዚ ድማ ብቐዳምነት ክፍፀሙ ኣብ ዘለዎም ቴክኒካዊ ጉዳያት ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ምስ ፋኖ ብዝተተሓሓዘ ነዝተልዓለ ሕቶ፥ “ፋና ዕጥቁ ኣይፈትሕን፤ ኣይሳደደን ኣይድፋእን” ኢሎም።

ይኹን አነበር ብስም እቲ ውዳበ ዝስራሕ ገበንን ዘይሕጋዊ ተግባርን ብሓባር መክልኻል ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ምፍታሕ ናህሪ ዕዳጋ ብሓባር መስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ብለይኩን ኣለም

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.