Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ጉዳያት ጥዕና ዘይኮነስ ፖለቲካ ኢዩ ዝዓበየ ጉዳዮም-ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴወድሮስ ኣድሓኖም ጉዳያት ጥዕና ዘይኮነስ ፖለቲካ ኢዩ ዝዓበየ ጉዳዮም ክትበል ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ ፍራንሴስካ ሮንችን ተዛሪባ።

እታ ጋዜጠኛ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበራ ፃንሒት፥  ዶክተር ቴወድሮስ ኣድሓኖም ንናይ ውልቀ ቅዋም ፖለቲካ ቀዳምነት ከምዘህቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዘታት ካብ ዘህብዎም መግለፂታት ምርዳእ ይከኣል ኢላ።

ዶ/ር ቴወድሮስ  16 መጋቢት ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ብዛዕባ ኮቪድ 19ን ቅልውላው ዩክሬንን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ መሬት ልዕሊ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት የለዉን ምባሎም ንሶም ትግራዋይ ምዃኖም ደጋጊሞም እንትዛረቡ ምስማዕ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ኢላ።

ከም ኮቪድ 19ን ቅልውላው ዩክሬንን ዝበሉ ህፁፅ ምላሽ ዝጠልቡ ኣጀንዳታት ኣብ ዘለውሉ ኩነታት ናይ ወልቀ ጉዳይ ምቕራብ ኣግባብ ኣይኮነን ኢላ።

እቲ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ንምዝካር ዝዓለመ እንተኾይኑ ድማ እቶም ሓላፊ ካልኦት ዝተረስዑ ኩነታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ከልዕሉ ነይሩዎም ክትብል ገሊፃ።

ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉ ህዝብታት ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝነኣሰ ስግኣት የብሎምን ክትብል ፍራንሴስካ ሮንችን ሓቢራ።

ብጉጅለ ህወሓትን ሸኔን ተወለድቲ ኣምሓራን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ቅትለት ይፍፀመሎም ኣሎ እውን ኢላ።

ዶ/ር ቴወድሮስ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንምንታይ ኣይተዛረቡን ክትብል ሓቲታ።

ብተወሳኺ ዶ/ር ቴወድሮስ ኣብተን ክልላት ብጉጅለ ህወሓት ዝበፅሐ ዕንወትን ወረራን ኣስታት 3 ሺሕ ዝኾኑ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ምሃብ ደው እነተብሉን ብሚሊየን ዝቑፀር ሰብ ብዘይካ ኣገልግሎት ሕክምና እንትንከራተት ሓንቲ መዓልቲ ተዛሪቦም ኣይፈልጡን አላ።

ስለ ዝኾነ ተግባር እቶም ሓላፊ ኣዝዩ ከምዘሕዘና ተዛሪባ።

ዳይሬክተር ወድብ ጥዕና ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዝፍፀም ከምዚ ዓይነት ፀገም ከተሓሳስቦም ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ኣበ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ካልኦት መድረኻትን ዝሃብዎም መግለፂታት ኩሎም ህወሓትን መሻርኽቱን መሰረት ዝገበሩ ኢዮም ክትብል እታ ጋዜጠኛ ተዛሪባ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.