Fana: At a Speed of Life!

መቕተልቲ ኣባ ገዳታት ከረዩ  ብዝምልከት ብባህላዊን ሕጋዊን መፍትሒ መዕለቢ ንኽረክብ ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መቕተልቲ ኣባ ገዳታት ከረዩ  ብዝምልከት ብባህላዊን ሕጋዊን መፍትሒ መዕለቢ ንኽረክብ እናተሰርሐ ምዃኑ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

“እቲ ተግባር ዓቢዪ ስብራት ዝፈጠረን ኣብ ባህልና ዘንፀላለወ ተግባርን ስለዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዘሎ ኮይኑ ብባህላዊ ከይዲታት ንምፍታሕ እውን ፃዕሪ ክግበር ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ኣባ ገዳታት ቅድሚ ምቕታሎም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ 40 ዝኾኑ ሓይሊታት ፀፅታን ካልኦት ኣመራርሓታትን ብተመሳሳሊ መቕተልቲ ከምዝተፈፀመ ብምሕባር፥ ኣብ ክልቲኦም መዓልቲታት ዝተፈፀሙ ተግባራት ብምስታፍ ዝተጠርጠሩ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ተግባር መንግስቲ ባህሊን መንነትን ህዝቢ እቲ ክልል ን፣ዕባይ ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣባ ገዳታት ኣብቲ ጉዳይ ኣንፈት ንኸቕምጡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣባ ገዳታት ዝሕብሩዎ ባህላዊ ኣካይዳ መንግስቲ እቲ ክልል ተቐቢሉ ብምትግባር እቲ ፀግም ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብኣፈወርቅ ኣለሙ፣ ዳግማዊ ዴክሲሳን ገመችስ ታሪኩን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.