Fana: At a Speed of Life!

ናህሪ ዕዳጋ ብዝምልከት መንግስቲ ህፁፅ ስጉምቲ ክወሰድ ከምዘለዎ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዕዳጋ ብዝምልከት መንግስቲ ህፁፅ ስጉምቲ ክወሰድ ከምዘለዎ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።

ነበርቲ እታ ከተማ ዝወከሉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምስ ዝመረፆም ህዝቢ ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ኢዮም እቶም ነበርቲ ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ።

ኣብዛ ሃገር ኢሉ እወን ኣብታ ከተማ ዘሎ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበነባ ተጀሚሮም ብዛዕባ ዘይተዛዘሙ መሰረተ ልምዓታት፣  ናይ ሸመትቲ ማሕበራት ግቡእ ዘይኮነን ኣብ ትሑት ናብራ ዘሎ ማሕበረሰብ ዘየገናዘበን ኣቕርቦት ብዝምልከት መንግስቲ ከመዓራርዮ ዝግባእ ጉዳያት ከምዝኾነ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ናህሪ ዕዳጋ ብዝምልከት መንግስቲ ህፁፅ ስጉምቲ ክወሰድ ከምዘለዎ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።

እቶም ተመረፅቲ ብግደኦም፥ ህዝቢ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ዘልዕሎም ዘሎ ጉዳያት ትኹረት ተዋሂቡ ምላሽ ንክወሃቦም  በቢብርኩ ምስ ዘለዉ ኣመራርሓ መንግስቲ ብምውዳድ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.