Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ዘይቲ ፀገማትን መፍትሒኦምን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሰናድኦን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ዘይቲ ፀገማትን መፍትሒኦምን ዘድሃበን መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ኩባኒያታት ኣፍረይቲ ዘይቲ ውሽጢ ዓዲን ምስ ፍርያት ዘይቲ ተተሓሓዝነት ዘለዎም ትካላት መንግስቲን ተረኺቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘይቲ ኣፃሪዮም ንፍራይ ዝኽእሉ 30 ፋብሪካታት ከምዘለዉን ብሙሉእ ዓቕሞም ከፍርዩ እንተዝኽእሉ 98 ሚኢታዊ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ክሽፍኑ ከምዝኸእሉ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ምኅንያታት እናሸፈኑዎ ዝርከቡ 40 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፋብሪካታት ፊቢላን ሪች ላንድን ፀገም ቀረብ ፋይናንስ፣ ምቁርራፅ ቀረብ ሓይሊ፣ ሕፅረት እታወትን መሰል ፀገማትን ክንዲዝግበኦም እናፍረዩ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

ብጥረ ኣቕሑት ዘገልግሉ ፍርያታት ድሌት ውሽጢ ሃገር እንተይሸፈኑ ናብ ወፃኢ እናተለኣኹ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ካብ ወፃኢ ንዘኣቱ ድፍድፍ ዘይቲ ብዓመት ክሳብ 1 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተወካሊ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ሃይለየሱስ ስዩምን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.