Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ብዘመዝገበቶ ውፅኢት ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ቀዳመይቲ ብምዃና ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ሰርቢያ-ቤልግሬድ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ብምዝዛማ ዝተሰመዐኒ ሓጎስ ይገልፅ” ክብሉ መልእኽቶም ገሊፆም።

በዚ ድማ “እንኳዕ ደስ በለና! እንኳዕ ደስ በለኩም!” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ 9 መዳሊያ ብምእካብ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይዝከር።

ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ውድድር ብክልቲኡ ፆታ 4 ወርቂ፣ 3 ብሩርን 2 ነሃስን ብድምሩ 9 ሜዳሊያታት ንሃገሮም ኣምፂኦም ኢዮም።

ኣሜሪካን ስዊዘርላንድን ድማ ኣብቲ ውድድር ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.