Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣበርክቶ ንዘበርከቱ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣበርክቶ ንዘበርከቱ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመስጊኖም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወረራ ሒዙዎም ዝነበሩ ከባቢታት ንምልቃቕ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ናብ ግንባር ብምኻድ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና መርሃ ግብሪ ምስግናን ኣፍልጦን ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሚኒስተር ጥዕና ሊያ ታደሰን ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ናብ ግንባር ብምኻድ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣበርክቶ ንዘበርከቱ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመስጊኖም።

እቲ መርሃ ገብሪ ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር መክልኻል ሃገርን ብሓባር ዘዳለውዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.