Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ጉድኣት ንዘጋጠሞም ወገናት ህፁፅ ደገፍ ንምሃብ ዝዓለመ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኢንተርናሽናል ኦክስፋም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ጉድኣት ንዘጋጠሞም ወገናት ህፁፅ ደገፍ ንምሃብ ዝዓለመ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኢንተርናሽናል ኦክስፋም ጋብሪኤላ ቡቸርን ተዛቲዮም።

ድርቂ፣ ኮቪድ 19፣ ጎንፂን ምምዝባልን ኣብ ኢትዮጵያ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ሀይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቐ ዝሓበሩ እቶም ሓለፍቲ፥ ካብ ኦክስፋምን ካልኦት ሰብኣዊ መዳርግቲን ኩለ መዳይ ደገፍ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲዘተ፥ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ኦክስፋም ሓዊሱ ካልኦት ሰብኣዊ ደገፍ ዝደሊዩ ዜጋታት ንምድጋፍ መነግስቲ ኢትዮጵያ ፃዕሪ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምብርህራህ፥ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ግብረ ራዕዲ ፃዕሪ መንግስቲ ምትዕንቓፉ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕ ንምንጋስ ዘለዎ ቁርፀኝነት ሓቢሮም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንተርናሽናል ኦክስፋም ጋብሪኤላ ቡቸርን በግደአን፥ ትካለን ኣብ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ዝበፅሑ ፀገማት ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ዘበፅሕዎ ፅዕንቶ ከምዝግንዘብ ተዛሪበን።

ነዚ ድማ ኣድላዪ ድጋፍ ከምዘድሊ ብምግላፅ፥ ትካለን ነቲ ፀገም ኣብ ምቕራፍ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገበር ሓቢረን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.