Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ እናሽረፉ ዝነበሩ 7 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ መሸጢ ሞባይልን መደብር ሸቐጣ ሸቐጥን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ እናሽረፉ ዝነበሩ 7 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ፖሊስ 8 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 3 ፍሉይ ቦትኡ ሸገር ህንፃ ማክ ሞባይል ስልኪ መሸጢን ኣብ ወረዳ 4 ፍሉይ ሽሙ ኣውራሪስ ሆቴል ከባቢ ዝርከብ መሸጢ ሸቐጣ ሸቐጥን ፖሊስ ብዝገበሮ ፍተሸ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ፡፡

መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ኣብ መፅናዕቲ ተደሪኹ ብሕጊ ኣግባብ ብዘሳለጦ ብርበራ ካብ ክልቲኦም ሹቓት ብሓፈሻ ልዕሊ 762 ሺሕ ብር፣ 19 ሺሕን 65 ዶላር ኣሜሪካ፣ 17 ሺሕን 750 ዩሮ፣ 40 ናይ እንግሊዝ ፓውንድ፣ 3 ሺሕን 800 ዶላር ካናዳ ተረኺቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መተዓዳደጊ ገንዘብ ሩሲያ፣ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ፣ ፈረንሳይ፣ ኣውስትራሊያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ስዊድን ፣ቻይና ፣ ባህሬንን ኳታርን ብኤግዚቢትነት ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

ህብረተሰቡም ማንኛውም ሰው ተመሳሳይ ተግባር የሚፈፅሙ ህገ-ወጦችን በሚመለከትበት ወቅት ለጸጥታ አካላት ጥቆማ መስጠቱን አጠናክሮ እንዲቀጥል ጥሪ ቀርቧል፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.