Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ሩሲያን ዩክሬንን ዘለዋ ስሩዕ ልውውጥ ንግዲ ከምትቕፅለሉ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ሩሲያን ዩክሬንን ዘለዋ ስሩዕ ልውውጥ ንግዲን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ከምትቕፅለሉ ገሊፃ።

ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ከምዝሓበሮ፥ ቻይና ምስ ሩሲያን ዩክሬንን ዘለዋ ኣብ ማዕርነት፣ ሓበራዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተመርኮሰ ልውውጥ ንግዲን ምትሕብባርን ክትቕፅሎ ኢያ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ 2022 መጀመርታ ክልተ ኣዋርሕ ልውውጥ ንግዲ ቻይና-ሩሲያ 26 ነጥቢ 43 ቢሊየን ዶላር ዝበፅ እንትኸውን፥ 38 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርአየ ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ቻይና ኣብ 2021 ን12 ተኸታተልቲ ዓመታት ዝዓበየት መሓዛ ንግዲ ሩሲያ ክትከውን ይገብራ ተባሂሉ።

ብተመሳሳሊ ቻይና ኣብ 2021 ካብ ዩክሬን ተእትዎም ፍርያታት ልዕሊ ካብ 34 ቢሊየን ዶላር ናብ 72 ነጥቢ 82 ቢሊየን ዶላር እንተዓቢ ናብ ዩክሬን ትልእኾ ፍርያት ድማ ካብ 38 ነጥቢ 4 ቢሊየን ናብ 68 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ከምዝዓበየ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.