Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ተተካእቲ ኣመራርሓታት ናብ ሓላፍነት ብምምፃእ ሰጓይ ምዃኑ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ – ኣባላት ኮሚቴ  ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና በዴሞክራሲያዊን ናፃ መረፃን ተተካእቲ ኣመራርሓታት ናብ ሓላፍነት ብምምፃእ ሰጓይ ምዃኑ ብተግባር ከምዘርአየ ኣባላት ኮሚቴ  ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ ምዝዛሙ ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ሓዊሱ ክልቲ ምክትል ፕሬዚዳንታት ከምኡ እውን ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ዝተመረፁ እንትኸውን፥ ስለዝኾነ ድማ እቲ ፓርቲ ብዙሓት ተተካእቲ ኣመራርሓታት ናብ ሓላፍነት ከምዘምፀአ ተገሊፁ፡፡

ብዛዕባ ኣብቲ ጉባኤ ዝተኻደ መረፃ ኣመልኪቶም ምስ ግዜኢ ፃንሒት ዝገበሩ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ባህሊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዴሞክራሲያዊ ልምዲ ዝተረኣየሉ ኢዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብብሄርን ክልልን እንተይተገደቡ ትኅክለኛ ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ብተግባር ከምዘርአዩ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣሳታፊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶማ ኣባላት፥ እዚ ድማ ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከዕውቶ ንዝድለ ኣሳታፊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፓርቲ ካብ ምሰረትኡ ጀሚሩ ኣብ ህንፀፅ ኣመራርሓ ዘተኮሩ ተግባራት እናገበረ ምምፅኡ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ጉባኤ ተተካእቲ መናእሰይ ናብ ሓላፍነት ብምምፃእ ሰጓሚ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.