Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉድለት ስነ ምግባር ዘርኣዩ 146 ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉድለት ስነ ምግባር ዘርኣዩ 146 ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ካብ ስራሕ ከምዝተሰናበቱ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝዓመሞም ተግባራት ምክልኻል ገበንን ምርመራን ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፥ ኣብ እዋን ህፁፅ ግዚ ኣዋጅ ብዙሓት ተግባራት ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።
በዝተገበረ ተፍቲሽን ብርበራን 47 ቦምብ፣ 8 ፈንጂ፣ 113 ክላሽንኮቭ ጠበንጃ፣ 422 ዝተፈላለዩ ሽጉጣት፣ ልዕሊ 17 ሺሕ ናይ ክላሽንን ልዕሊ 8 ሺሕ ናይ ሽጉጥን ጠያይቲ፣ 2 ሺሕን 901 ናይ ብሬንን 8 ናይ መትርየስን 183 ዝተፈላለዩ ጠያይቲ ኣፅዋራት ኲናትን ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።
ብተወሳኺ 57 መነፅራት ዓውደ ኲናት፣ 2 ኮምፓስ ኣፅዋር ኲናት፣ 64 ወተሃደራዊ መራኸብቲ ሬዲዮ፣ 3 ቻርጀር መራኸብቲ ሬዲዮ፣ 6 ጂፒኤስን ካልኦት ወተሃደራዊ ናውቲታትን ምስ ተጠርጠርቶም ብምሓዝ ኣድላዪ ምርመራ ይስረሐሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን
ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.