Fana: At a Speed of Life!

ዝረኣዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ጠበንጃ መፍትሒ ኣይኾንን-ምክትል ኣቦ መንበር ፓርቲ ኦፌኮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ጠበንጃ መፍትሒ ኣይኾንን ክብሉ ምክትል ኣቦ መንበር ፓርቲ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣይተ ሙላቱ ገመቹ ገሊፆም።

ኣይተ ሙላቱ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ፓርቲኦም ዓለም ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝበፅሓሉ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ሰላማዊ ቃልሲ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኦሮሚያ ሰላም እንትትከውን ኢትዮጵያ እወነ ሰላም ትኸውን ዝበሉ እቶም ምክትል ኣቦ መንበር፥ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ሰላን ንምንጋስን ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዘኾነ ሓቢሮም።

ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እነትበሃል ዘጋጥሙ ዘይምርድዳኣት ምፍታሕ እንበር ጠበንጃ ከም መፍትሒ ምውሳድ ጊዘ ዘይፈቅድ ከምዝኾነ አወን ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ስእነት ሰላም ይረአ ከምዘሎ እወን ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዘለዎ ተበግሶን ቁርፀኝነትን ዝተባባዕ ኢዩ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.