Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፀሐሎም ግፍዒ ብምህዳም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፀሐሎም ግፍዒን በደልን ብምህዳም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ጎረባብቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ከምዝተዓቖቡ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘብፀሖ ግፍዒን ጭቆናን ብምህዳም ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦን ከባቢኡን ጥራሕ ኣብ ሰለስተ መዕቖቢ ጣቢያታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝተዓቖቡ እንትኾኑ፥ ብመንግስቲ ዕለታዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰቆጣ ብዙሓት ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ካብ መንግስቲን ህዝቢን ሓገዝ እናረኸቡ እንትኾኑ፥ በቢመዓልቱ ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ክልል ትግራይ ህይወቶም ንምትራፍ ናብ ጎረባብቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ይስደዱ ኣለዉ ተባሂሉ፡፡

እቶም ተመዛበልቲ፥ ኣመራርሓታትን ዕጡቓትን ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒን በደልን እናፈፀሙ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብ ትግራይ ዝመፅኡ ተመዛበልቲ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ሓገዝ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምኽልካልን ጥሜት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ንካልኣይ ኲናት ኣገዲዱ እናመልመለሉ ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ከተማ ቆቦ ሓለቓ ሓምሳ ኣበበ ደርሶ ከምዝሓበሩዎ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከተማ ቆቦ ተዓቒቦም ዝርከቡ ልዕሊ 46 ሺሕ ተመዛበልቲ ይርከቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብቲ ከተማ እናመፅኡ ዝርከቡ ዜጋታት ልዕሊ ዓቕሚ እታ ከተማ ስለዝኾነን ሓቀኛ ተመዛበልቲ ምርዳእ ንኽከኣልን ተመዛበልቲ ኣብ ወረዳ ህብሩ ናብ ዝርከብ ከባቢ ጃራ ንምውሳድ ኩነታት እናተመዓራረየ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ንተመዛበልቲ መዕቖቢ ዝኾኑ ድንኳት፣ ታንከራት መፃረዪ ማይ፣ ምግቢ፣ ክዳውንቲን ካልኦት መገልገሊ ናውቲን እውን ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.