Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ዝመረፆም ህዝቢ ንምዝታይ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ምስ ኣመራርሓታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣዲስ ኣበባ ዝውክሉ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ዝመረፆም ህዝቢ ንምዝታይ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ምስ ኣመራርሓታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።

እቶም ተወከልቲ ከምዝበሉዎ፥ ዝተረኸቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ምስ መራፂ ህዝቢ ተቐራሪብካ ምዝታይ ኣድላዪ ኢዩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለስ ኣለሙ ብግደኦም፥ እቲ ፓርቲ ተመረፅቲ እታ ከተማ ምስ ዥመረፆም ህዝቢ በቢሰለስተ ወርሑ ዝራኸቡሉ ኣሰራርሓ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝገብሩዎ ልዝብ ዕዉት ንምግባርን መራፂ ህዝቢ ዘልዕሎም ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ እቲ ፓርቲ ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ተወከልቲ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ብቐጥታ ምስ ዝመረፆም ህዝቢ ብምርኻብ ህዝቢ ዘልዕሎም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ብምዝታይ መዕለቢ ዝረኽቡሉ መገዲ ንምምዕርራይ ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.