Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃሚት ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ አን ጃኮብሰን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይረን።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ዑደተን እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ሓሙሽተ ናይ ፅዕነት ኣየራት ቦይንግ 777-8 ኣውሮፕላን ከምዝገዝእ ምፍላጦም ስዒቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘበናዊ ቆጣቢ ነዳዲ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ካብ ኩባኒያ ቦይንግ ንምግዛእ መረዳድኢ ስምምዕነት ምግባሩ ይፍለጥ፡፡

እቲ ስምምዕነት እቲ መገዲ ኣየር ብብርኪ ዓለም እናዓበየ ምስ ዝመፅአ ድሌት ኣገልግሎት ብዝበለፀ ተረባሒ ዝገብሮ እንትኸውን፥ እናመዝገቦ ዝርከብ ዕቤት እውን ቀፃልነቱ ዘረጋግፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፥ “ኣብ ዓውዲ ኣቪየሽን ኣፍሪካ መሪሕ መገዲ ኣየር ከም ምዃንና መጠን እዚ ሓዱሽ፣ ዘበናዊነ ቆጣቢ ነዳዲ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ካብ ኩባኒያ ቦይንግ ንምግዛእ መረዳድኢ ስምምዕነት ብምፍርራምና ሓጎስ ይስመዐና” ኢሎም፡፡

እቲ ሓዱሽ ቦይንግ 777-8F ናይ ጥዕነት ኣውሮፕላን፥ እናዐበየ ዝመፅአ ኣገልግሎት ፅዕነት እቲ መገዲ ኣየር ብምስፋሕ ሕዚ ዘለዉ 66 ዓለም ለኸ መባፅሕቲ ንምዕባይ ከምዝሕግዙዎ ምግላፆ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.